ኮሮና ኣብ ዓመቱ

መራሕቲ ሃይማኖት - መድያን ዲጂታል መራኸቢታትን ኣብ ምጽንናዕን መንፈሳዊ ትምህርቲ ምሃብን ግሩም ተራ ይጻወቱ

9:58 min
  • ሎሚ: መጋቢት 11 2021 እዩ፣ ኣብ ሽወደን፡ ብኮሮና ሂወቱ ንመጀመርያ ግዜ ዝሓለፈ ተሓካሚ ዝተመዝገበሉን፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንሕማም ኮሮና፡ ለበዳ ተባሂሉ ክግለጽ ዝወሰነሉን መዓልቲ፡፡ 
  • መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራውያን፡ ኣብ'ዚ እዋን ለበዳ፡ ማሕበራዊ መድያን ዲጂታል መራኸቢታትን፡ መንፈሳዊ ትምህርትቶም ንምስልሳልን፡ ሓዘንተኛታት ንምጽንናዕን ዓቢ ተራ ከምዝጻወቱ ይገልጹ፡፡ 
  • ሽግር ኮሮና ንጽቡቕ ክንጠቀመሉ ከምዝከኣልን፡ ብፍላይ ድማ ብመንገዲ ማሕበራዊ መድያ፡ ንመንፈሳዊ ድሌትና ከነርውይ ክንፍትን ከምዝግባእን፡ ኣባ ዑቕማባርያ ኡኩብ፡ ኣገልጋሊ ኤርትራውያን ካቶሊካውያን ኣብ ሽወደን ይመኽሩ፡፡