ሕጊ ሚግሬሽን

መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ነዲፍዎ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ሚግሬሽን መግለጺ ሂቡ

1:09 min
  • መንግስቲ፡ ብዛዕባ ሓድሽ ንድፊ ሕጊ ሚግሬሽን፡ ሎሚ 08 ሚያዝያ፡ ድሕሪ ቐትሪ፡ ጋዜጣዊ መገለጺ ሂቡ፡፡  
  • ንስደተኛታት ዝወሃብ መንበሪ ፍቃድ ንዝምልከት፡ እቲ ሓድሽ ንድፊ፡ መንበሪ ፍቃድ፡ መጀመርያ ግዝያዊ ኽኸውንን፡ ቐማዊ መንበሪ ፍቃድ ድማ ሓደ ሰብ እንተቐልጠፈ፡ ግዝያዊ መንበሪ ፍቃድ ንሰለስተ ዓመታት ድሕሪ ምሓዙ ክወሃብ ዝብል ርእይቶ ይርከቦ፡፡
  • ብመሰረት እዚ እማመ፡ ቐዋሚ መንበሪ ፍቃድ ንውሳድ ዘመልክቱ፡ ብቑጠባ ነብሶም ክኽእሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መሰረታዊ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደንን ሕብረተ-ሰብ ሽወደንን ክህልዎም ክጥለብ’ዩ፡፡ ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ገበን ፈጺሞም ድዩም ኣይፈጸሙን እውን ክርአ ሙዃኑ ተሓቢሩ’ሎ፡፡