ቁጠባ

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀውዒ ዕቤት ከርኢ እዩ

1:45 min
  • ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሌና ኣንደርሶን ሎሚ 12 ሚያዝያ ብዛዕባ ህልው ኢኮኖሚ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ለበዳ ኮሮና መብርሂ ንጋዜጠኛታት ሂባ ኔራ።
  • ከባቢ 400 ቢልዮን ክሮና ንዝተፈላለዩ ዓውድታት ስራሕ ቁጠባዊ ደገፍ ካብ መንግስቲ ተጌሩሎም።
  • ብተወሳኺ ኣብታ ትመጽእ ዘላ ዓመት እውን ምስ ምኽፋት ብዙሕ ቦታታት ስራሕ ሽቕለት ኣልቦነት ካብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ካብ ዝነበረ ግምት ንላዕሊ ኣዝዩ ክንኪ እዩ። እዚ ማለት ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይዛ ዓመት ክህሉ ዝሕሰብ ናይ  8.7 % ናብ 7,9 ሚእታዊት ክወርድ ትጽቢት ይግበረሉ።