ለበዳ ኮሮና

ብዙሓት ውጹዓት ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ይድቅሱ

1:03 min
  • ኣብዛ ግዜ እዚኣ  ኣብ መላእ ሽወደን  ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዝተዳኸሙ ከባቢ 392 ሰባት ኣብ ክፍሊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ዝወሃቦ (intensivvårdsavdelning (iva) ደቂሶም ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ።
  • እዚ ካብቲ  ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ተኸሲቱ ዝነበረ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ብዝተወሰነ ቁጽሪ ይልዕል።
  • ኣብ ካልኣይ ማዕበል ብሓደ ግዜ ኣብ ጽዑቕ ሕክምና ዝነበሩ ብዝሒ 389 ኔሩ። ኮይኑ ግና ካብቲ ፈለማ ለበዳ ዝተኣወጀሉ ሰሙናት ምስ ሓለፈ ንሱ ድማ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ ብዝሒ 558 ሰባት ዝነበሮ ቁጽሪ ክበጽሕ ጌና ነዊሕ ከም ዝተርፎ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ቴቴ ሓቢሩ።