ኩዑሶ እግሪ

ትሕቲ ትጽቢት ጸወታ ብምርኣይ፡ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ጆርጅያ ትዕወት

1:32 min
  • ሽወደን ኣብ’ቲ ትማል ምሸት ንናይ መጻረይ ዋንጫ ዓለም ዝገበረቶ ግጥም፡ ኣብ ሜድኣ ኣብ ልዕሊ ጆርጅያ 1 ብ 0 ተዓዊታ፡፡
  • እቲ ድሕሪ 5 ዓመታት ናብ ናይ ዓለም-ለኻዊ ግጥም ዝምለስ ዘሎ፡ ወዲ 39 ዓመት፡ ዝላታን ኢብራሂሞቪች እዩ፡ ነታ ንሽወደን ዘዐወተታ፡ ኣብ መበል 35 ደቃይቅ፡ ቪክቶር ክላኤሶን ዘመዝገባ ሽቶ፡ ብዝነኣድ ኣገባብ ዝቐረበሉ፡፡
  •  ወላ’ኳ ሃገራዊት ጋንታ ጆርጅያ ዝሓሻ ጎላት ክኾና ዝኽእላ ዕድላት ፈጢሮም እንተነበሩ፡ ንሓላው ልዳት ክሪስቶፈር ኖርድፈልድት ሓሊፎም ግን፡ ኩዑሶ ምስ ሰኪዔት ክጽንብርዋ ኣይበቕዑን፡፡