ክታበት

ኖቩስ፡ 94 % ክታበት ክወስዱ ይዳለው፡ ዝተረፉ ሒደት ኣይፋል ይብሉ

4:58 min
  • ኖቩስ ዝተብሃለ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል ብፉሉይ ንራድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ንክታበት ዝምልከት መጽናዕቲ እቶም 6% ጥራይ ክኽተቡ ድሌት የብሎምን። ብካልእ ኣረዳድኣ እቶም 94% እወ ንክታበት ኢሎም ማለት እዩ።
  • እዚ ተገሊጹ ዘሎ ብዝሒ ኣብቶም ስድራ ቤቶም ኣብ ግዳም ዝተወለዱ ናብ ከባቢ 12 ሚእታዊ ክብ ከም ዝብል  እቲ መጽናዕቲ የመልክት።
  • ራድዮ ትግርኛ ከዘራርቦም ዝፈተነ ሰባት እውን ዳርጋ ኩሎም ክኽተቡ ድሌት ኣለዎም። ዝተረፉ ድማ ናይ ኣስትራ ዘኔካ ገዲፍካ ካልኦት ዓይነታት ግና ኩነታት ርእዮም ክኽተቡ ይመርጹ።