ኩዑሶ እግሪ

ኢብራ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ዳግም ይጽንበር

1:57 min
  • ወዲ 39 ዓመት ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዑሶ እግሪ ሚላን፡ ዝላታን ኢብራሂሞቪች፡ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ዳግም ከምዝተጸንበረ፡ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ፡ ያነ ኣንደርሾን፡ ሎሚ 16 መጋቢት ሓቢሩ፡፡
  • "ናብ’ታ ጋንታ ክምለስ ምድላዩ ብርግጽ ደስ ዝብል’ዩ፡" ኢሉ ያነ ኣንደርሾን፡፡
  • 'ናይ ስደተኛ ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ተጻወቲ ኣይመርጽን እዩ፡' ዝብል፡ ዝላታን ኣብ 2019 ኣንጻር ኣሰልጣኒ ያነ ኣንደርሾን ዝሃቦ ወቐሳ፡ ንርክብ ክልቲኦም ኣሻሕኪርዎ ጸኒሑ፡፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ሚላን ዝገበርዎ ርክብ ግን ናብ ንቡር ዝተመልሰ ይመስል፡፡