ሚግሬሽን

ኣብ ሽወደን ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ሰባት ቁጽሪ ይቕንስ፡ ዜግነት ናይ ዝወስዱ ድማ ይውስኽ

1:42 min
  • ምስ ምምጻእ ለበዳ፡ ኣብ 2020፡ ናብ ሽወደን ናይ ዝስደዱ ሰባት ቁጽሪ ብርብዒ ጎዲሉ፡፡ ቁጽሪ ናይቶም ንሽወደን ዝመጽኡ ሰባት፡ ሪኮርድ ብዝሰብር ኣብ’ቲ ዝተሓተ ደረጅኡ ከም ዝበጽሐ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ማእከል ስታትስቲክስ ሽወደን ዝተዘርግሐ ጸብጻብ የብርህ፡፡
  • ኣብ 2020፡ 82,500 ሰባት፡ ንሽወደን ተሰዲዶም፡፡ እዚ ምስ ናይ 2019 ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ29% ምቕናስ ከምዘርኣየ፡ እቲ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ኤስ.ሲ.ቢ ኣመልኪቱ፡፡
  • ዜግነት ሽወደን ናይ ዝተዓደሉ ቁጽሪ፡ ኣብ 2020 ምስ 2019 ክወዳደር እንከሎ፡ ብ25% ወሰኽ ከምዘርኣየ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ፡፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት 80 175 ሰባት ዜግነት ሽወደን ረኺቦም፡፡