
ሓድሽ ኣገባብ ምርመራ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ክካየድ እዩ
ተመራመርቲ ሽወደናውያን ሓድሽ ኣገባብ ምርመራ ኣብ ሕሙማት ኮቪድ-19 ከካይዱ ኣዮም። እዚ መርመራ ኣብቶም ንቡር ስርዓተ እስትንፋስ ዘይብሎም ብሓገዝ ቨንትላይተር ዘተንፍሱ ዘለው ሰባት እሞ ዘይደሓኑ ዝካየድ እዩ። ብሓጺር ኣጸዋውዓ ምብካል ሳንቡእ ወይ ወይ ARDS ( Acute respiratory distress syndrome ) ዘይንቡር ስርዓተ እስትንፋስ ኣብ ዘጋጠሞም ሕሙማት ዝካየድ ፈተነ ምዃኑ ተፈሊጡ ።
እዚ መጽናዕቲ ካብ ክልተ ዓበይቲ ሕክምናዊ መርመራታት ዘካይዳ ትካላት ማለት ኣካዳሚያዊ ሆስፒታል ኡፕሳላን ካሮሊንስካን ዝተዋጽኡ 40 ሓካይምን ተመራመርትን ብሓባር ዝገብርዎ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኦስካር ሲሞንሶን ዝተብሃለ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ምርምር ዝመርሕ ዘሎ ተመራማሪ ከም ዝገለጾ ፡ እዚ ኣብ ንቡር ስርዓተ እስትንፋስ ኣብ ዘይብሎም ሕሙማት ዝካየድ ኣገባብ ፍወሳ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ውን ሕማማት ኢንፍሊዌንዛ ብብዝሒ ተራእይሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ተፈቲኑ ውጽኢት ዝተረኽበሉ ኣገባብ ፍወሳ ምዃኑ ይሕብር ። ሎሚ ውን ውጽኢት ክረኽቡሉ ይትስፎ።
ኣብ ክፍሊ ፍሉይ ጽዑቕ (ኢንተንሲቭ) ክንክን ዝኣተው ሕሙማት ትንፋስ ክሓጽሮምን ብንቡር ምትንፋስ ምስ ሰኣኑ ብሓገዝ ቨንትለይተር ከም ዘተንፍሱ ይግበር ። ዝበዝሑ ድማ ኣብ ልቦም ፡ሳንቡኦም ወይ ሓንጎሎም ናይ ደም ምርጋእ የጋጥሞም። በዚ ድማ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድሎም ከም ዝጸብብ ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ የረድኡ። እዚ ሕጂ ኣብ ናይ ኮቪድ-19 ሕሙማት ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ፈተነታት ድማ ነቶም ሓገዝ መተንፈሲ ተዋሂብዎም ዘይደሓኑ ዘተኮረ እዩ ። መጀመርታ ኣብ ሰለስተ ሰባት ክፍተን እዩ።እንተ ዝግባእ ውጽኢት ሂቡ ንትሽዓተ ሕሙማት ክወሃብ እዩ።
ዮሃንስ ዘርኡ ንራድዮ ሽወደን ትግርኛ