ኤስ.ኤ.ቤ ( SEB ) ባንክ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ክሮና ክቕጻዕ ተበይንሉ

4:53 min

ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ባንክታት ሽወደን ዝኾነን  ናይ ታሕተዎት ትካላት ሕሳብ ብብዝሒ ዝርከቦ ኤስ ኤ ቤ ኣሕጽሮት ስም ዝጽዋዕ ናይ ብርኪ ባንክ Skandinaviska Enskilda Banken AB ብጸሊም ገንዘብ ምስግጋር ተኸሲሱ ብምቁጽጻር ፋይናንስ (ፋይናንስ ኢንስፔክሽን) ሽወደን ሓደ ቢልዮን ክሮና ክቕጻዕ ትማሊ 25 ሰነ ዝተፈነወ ራድዮ ሽወደን የመልክት።

ብመሰረት ጸብጻብ ምቁጽጻር ፋይናንስ ሽወደን እዚ ኣብ ልዕሊ ባንክ ኤስ.ኤ.ቤ ዝተበየነ መቕጻዕቲ ብሰንኪ እተን ኣብ ዞባ ሃገራት ባልቲክ (ላትቪያ፡ሊትወንያ፡ኤስቶንያ ) ዘለዋ ጨናፍራቱ ኣብ ልዕሊ ምስግጋር ዘይሕጋዊ ገንዘብ ዘርኣይኦ ሸለልትነትን ናይ ኣሰራርሓ ድኻማትን እዩ። ኣቐዲመን ባንክታት ስዌድን ዳንስክን ተቐጺዐን ኔረን። ሰናይት ዑቕባይ ክኢላ ባንክን ኢንሹራንስን ናታ ትንታነ ሂባትና ኣላ ። ንከታተላ ።

ጉዳይ ናይ ኤስ.ኤ.ቤ ( SEB ) ባንክ ገና ኣይተወድአን ።እቲ ባንክ ነቲ ብይን ግብረ መልሲ ክህበሉ ኣብ ምድላው ከም ዝርከብ ኣብ ድሕረ ገጹ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ዮሃንስ ዘርኡ ራድዮ ሽወደን ትግርኛ