ሓጸርቲ ዜናታት ኮሮና ኣብ ከባቢ ዓለምና

1:54 min

ብመሰረት ሎሚ 29 ሰነ 2020 ዝወጸ ጸብጻብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ከም ዘመልክቶ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ 30 ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ። እዚ ድማ ነቲ ዝጸንሐ ቁጽሪ ምዉታት ናብ 5310 ክብ ኣቢልዎ ይርከብ ።

ኣብ ዞባ ስኮነ (ደቡባዊ ሽወደን) ብዝግበር ዘሎ ምርመራታት ብዙሓት መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ብኮቪድ 19 ተጠቒዖም ተረኺቦም። እዚ ድማ ሰብ መዚ ጥዕና ዝያዳ ኣተኩሮ ኣብ መንእሰያት ክገብሩ ከም ዝሕግዞም ይንገር።

ብመሰረት በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ካብ 30 መጋቢት ክሳብ 27 ግንቦት ዝገበሮ መጽናዕቲ ከም ዘነጽሮ መራሕቲ ታክሲ ኣስታት 4.8 ግዜ ዝያዳ ኣብ ካልእ ስራሕ ካብ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተቓሊዖም ይርከቡ።

ኣወሃሃዲ ድሕነትን ማከላይ ጥዕናን ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት መጉዓዝያ ዝኾነ ጉስታቭ ያርስበርይ ንራድዮ ሽወደን ከም ዝሓበሮ ድሕነትን ጥዕናን መራሕቲ ታክሲ ካብ ትካል ናብ ትካል ብከባቢታት ከም ዝፈላለ ይገልጽ።

 ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር ሽዱሽተ ውርሒ ኣብ ዝመልእ ግዜ ኣብ ዓለም ቁጽሪ ምዉታት 500 000 በጺሑ። ልዕሊ ዓሰርተ ሚልዮን ሰባት   ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ይርከቡ ። ብ 9 ጥሪ 2019 ድማ ቀዳማይ ግዳይ ሞት ኮቪድ 19 ዝኾነ ሰብ ኣብ ከተማ ዩዋን ናይ ቻይና ብቀዳምነት ኣብ ዝርዝር ግዳያት ኮሮና ምምዝጋቡ ይዝከር ።

  ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 125 000 ምዉታት 2,5 ሚልዮን ልኹፋት ብምሓዝ ዝዓበየት ግዳይ ለበዳ ኮሮና ዓለምና ኮይና ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ትርከብ ።ብራዚል ብ 55,000 ምዉታት ብካልኣይ ደረጃ ትስዕባ ኣላ።ሩስያን ህንድን ድማ ብተርታ ይስዕበአን ኣለዋ።

 ዮሃንስ ዘርኡ ንራድዮ ሽወደን ትግርኛ