
Foto: Jonathan Näckstrand/TT
ራድዮ P1፡ ቃለ-መሕትት ምስ መራሒ ሰልፊ ሞደራት
እቲ ኣብ ኣልመዳለን ዝግበር ዝነበረ ዓመታዊ ናይ ሰልፍታት መራሕቲ ኣኼባ ብሰንኪ ተላባዒ ሕማም ኮሮና ጠጠው ስለ ዝበለ ኣብ ክንድኡ ንጉሆ ንጉሆ ብራድዮ P1 ዝግበር ናይ ሰልፍታት መራሕቲ ቃለ-መሕትት ይማሓላለፍ ኣሎ።
ሰልፊ ሶሻልዴሞክራት ንሚልዮ ፓርቲ ገዲፎም ምስ ሰልፊ ሞደራት ብዛዕባ ናይ ስደተኛታት ፖሊቲካ ክዛራረቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቨን ሰልፊ፡ ንሰልፊ ሞደራት ከምዝተዛረብዎም ናይ ሰልፊ ሞደራት መራሒ ኡልፍ ክሪስተርሶን ኣብ ናይ ሎሚ ንጉሆ 30 ሰነ 2020 ኣብ ራድዮ P1 ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ገሊጹ።