ራድዮ P1፡ ቃለ-መሕትት ምስ መራሒ ሰልፊ ሞደራት

1:35 min

እቲ ኣብ ኣልመዳለን ዝግበር ዝነበረ ዓመታዊ ናይ ሰልፍታት መራሕቲ ኣኼባ ብሰንኪ ተላባዒ ሕማም ኮሮና ጠጠው ስለ ዝበለ ኣብ ክንድኡ ንጉሆ ንጉሆ ብራድዮ P1 ዝግበር ናይ ሰልፍታት መራሕቲ ቃለ-መሕትት ይማሓላለፍ ኣሎ።

ሰልፊ  ሶሻልዴሞክራት ንሚልዮ ፓርቲ ገዲፎም ምስ ሰልፊ ሞደራት ብዛዕባ ናይ ስደተኛታት ፖሊቲካ ክዛራረቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቨን ሰልፊ፡ ንሰልፊ ሞደራት ከምዝተዛረብዎም  ናይ ሰልፊ ሞደራት መራሒ ኡልፍ ክሪስተርሶን ኣብ ናይ ሎሚ ንጉሆ 30 ሰነ 2020 ኣብ ራድዮ P1 ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ገሊጹ።