ለበዳ ኮሮና ብዙሕ ነገር ከይንሰርሕ ሓጺሩና።

13 min

ኣብ ልዕሊ 30 ከተማታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ማሕበር ንፍትሕን ሰብኣዊ መስላትን ዝብል ሓድሽ ጽላል ተጠርኒፎም ኣለው ። በዚ ማሕበር ኣቢሎም ንሓገዝ መከላኸሊ ለበዳ ኮሮና ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ገንዘብ የዋጽኡ ኣለው። ድሌቶም ኣስታት 500,000 ዝኸውን ንምእካብ እዩ። ኮይኑ ግና ክሳብ ሕጂ 350,000 ክሮና ኣኪቦም ኣለው። ክልተ ኣባላቶም ምሳና ዕላል ኣካይዶም ኣለው። ሰናይ ምክትታል።