
Foto: Pontus Lundahl/TT
ወቐሳ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና በዓል-መዚ
ንተላባዒ ሕማም ኮሮና ንምክልኻል ተባሂሉ ብህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና በዓል-መዚ ክወሃብ ዝጸንሐ ምኽሪ ነቶም ኣብቲ ትሑት ማሕበረ-ቁጠባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ብዝሳማማዕ ኣገባብ ኣይነበረን። እዚ ኽኣ እቶም ኣብ ዓበይቲ ከተማታት፡ ኣብ ናይ ጥዕናን ምእላይ ሕሙማትን ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዝበልዎ እዩ።