
ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሽወደን ብብዝሒ ይንኪ
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቁጽሪ ሓደስቲ ዝረእዩ ሕቶ ዑቕባ ኣዝዩ ከም ዝነከየ ዳይረክተር በዓል መዚ ኢምግረሽን ሚካኤል ሪቫንቪክ ንራድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ሰሙናዊ ካብ 400 ናብ 50 ወሪዱ ይርከብ።
ኣብዚ እዋን ኣስታት 11000 ዝኾኑ ኣብ መስርሕ ውሳነ ዝርከቡ ሓደስቲ ዝተኸፈቱ ጉዳያት ኣለው። እዚ ብዝሒ ኣብዘን ዝሓለፋ ሾሞንተ ዓመታት እቲ ዝተሓተ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ሕቶ መንበሪ ፍቓድ ዘመልክቱ ሰባት ብብዝሒ ስለ ዝነከዩ ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ምውሓድ ሓደስቲ ዝረኣዩ ጉዳያት ኮይኑ ኣሎ።
ዮሃንስ ዘርኡ ራድዮ ሽወደን ትግርኛ