ወርሒ ሰነ ክብረ ወሰን ሓደጋ ምጥሓል ማይ ሒዛ

1:59 min

ብመሰረት ሽወደናዊ ማሕበር ህይወት ኣድሕን Svenska Livräddningssällskapet  ኣብዛ ዓመት 40 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ማይ ብምጥሓል ህይወቶም ስኢኖም ኣለው። ካብዚኦም እቶም 23 ሰባት ኣብ ወርሒ ሰነ ዝጠሓሉ እዮም። እዚ ቁጽሪ ካብ 2000 ዓመተ ምህረት ንደሓር እቲ ዝለዓለ ብዝሒ ኮይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ።