
Foto: Henrik Montgomery/TT
ቃለ-መሕትት-ክርስትያን ዴሞክራት
ራድዮ P1፡ ቃለ-መሕትት ምስ ግዝያዊ መራሒ ሰልፊ ክርስትያን ዴሞክራት
ሎሚ መዓልቲ 6 ሓምለ 2020 ብራድዮ P1 ዝቐርበ ናይ መራሕቲ ሰልፍታት ቃለ-መሕትት፡ ንመራሒት ሰልፊ ክርስትያን ዴሞክራት ኤባ ቡሽ፡ ወኪሉ ዝመጸ ያኮብ ፎሽስመድ እዩ ኔሩ።
ኣብ’ዚ ብዛዕባ ሚግሬሽን ዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ምርድዳእ፡ መርገጽ ክርስትያን ዴሞክራት፡ ብዝሒ ስደተኛታት፡ ልክዕ ከም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ኣዝዩ ክንኪ ከምዘለዎ እዩ። እዚ ግን ንመሰል ሓተቲ-ዑቕባ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኮይኑ ኣይረኣየንን እዩ ክብል ያኮብ ፎሽስመድ ገሊጹ።