
ዕለታዊ ካብ 20 ክሳብ 40 ኪሎ ሜተር ን ሾሞንተ ዓመት
ምምሕዳር ትራንስፖርት ሽወደን Trafikverket ሎሚ ዓመት ዝዘርግሖ ጸብጻባት ከም ዘመልክቶ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሽወደናውያን ዕለታዊ ብሽክለታ ይጥቀሙ (የዘውትሩ) ።እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈት ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብ 200 ሽሕ ተጠቀምቲ ዝያዳ ምዃኑ ጸብጻባት ምምሕዳር ትራንስፖርት የመልክቱ።ሓደ ካብቶም ዕለታዊ ካብ 20 ክሳብ 40 ኪሎ ሜተር ዝዝዉሩ ተጠቀምቲ ድማ ኣሮን ከበደ እዩ።