
Foto: Staffan Löwstedt/SvD/TT
መጠን ሞት ግዳያት ኮቪድ-19 ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ብብዝሒ ይጎድል
ኣብዘን ዝሓለፋ 30 መዓልታት መጠን ሞት ናይቶም ብሰንኪ ኮቪድ 19 ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ደቂሶም ዝነበሩ ሕሙማት ብብዝሒ ምንካዩ ዜና ተለቪዥን ሽወደን የመልክት ።
እዚ ምዕባለ ተስፋ ዝህብን ዘዕግብን እዩ።ኮይኑ ግና ተወሳኺ ዓሙቕ ትንተና ዘድልዮ ምዃኑ ብዮርን ፐርሾን ላዕለዋይ ሓላፊ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ካሮሊንስካ ይገልጽ።
ዮሃንስ ዘርኡ ራድዮ ሽወደን ትግርኛ