
ሽወደን ብዝሒ ክሳራ ዝያዳ ጎረባብታ ሃገራት ኣለዋ
ሃገራት ስካንዲናቭያን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላው ከም ዝርከባ ጋዜጣ ስቬንስካ ዳግብላዴት ንመጽናዕቲ ቢስኖድ ዝተብሃለ ኣብ ቁጠባዊ መጽናዕቲ ዘድህብ ትካል ዝገበሮ ናቱ ኣሃዝ ከም መወከሲ ምንጪ ወሲዱ ጽሒፉ።
እዚ ዝበሃል ዘሎ ክሳራታት ኣብዘን ዝሓለፋ ሹዱሽተ ኣዋርሕ ዘጋጠመ ኮይኑ ናይ ሽወደን 3786 ብዝሒ ክበጽሕ ከሎ ካብ ናይ ዝሓለፈት ዓመት ብ 16 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ። ናይ ኖርወይ 2865 ክኸውን ከሎ ብ 2 ምእታዊት ከምኡ ውን 887 ናይ ፊንላንድ 11 ሚእታዊት ወሰኽ ጌሩ። ናይዘን ሃገራት ወሰኽ ተመልኪትካ ናይ ዴንማርክ ኣብ ዝሓለፈት ዓመት 2820 ዝነበራ ኮይኑ ሎሚ እቲ ክሳራ ኣብ ክንዲ ምዉሳኽ ኣብ ምጉዳል ይርከብ ኣሎ።