ሽወደን ብዝሒ ክሳራ ዝያዳ ጎረባብታ ሃገራት ኣለዋ

0:57 min

ሃገራት ስካንዲናቭያን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላው ከም ዝርከባ ጋዜጣ ስቬንስካ ዳግብላዴት ንመጽናዕቲ ቢስኖድ ዝተብሃለ ኣብ ቁጠባዊ መጽናዕቲ ዘድህብ ትካል ዝገበሮ ናቱ ኣሃዝ ከም መወከሲ  ምንጪ ወሲዱ ጽሒፉ።

እዚ ዝበሃል ዘሎ ክሳራታት ኣብዘን ዝሓለፋ ሹዱሽተ ኣዋርሕ ዘጋጠመ ኮይኑ  ናይ  ሽወደን 3786  ብዝሒ ክበጽሕ ከሎ ካብ ናይ ዝሓለፈት ዓመት ብ 16 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ። ናይ ኖርወይ 2865 ክኸውን ከሎ ብ 2 ምእታዊት ከምኡ ውን 887 ናይ ፊንላንድ 11 ሚእታዊት ወሰኽ ጌሩ። ናይዘን ሃገራት ወሰኽ ተመልኪትካ ናይ ዴንማርክ ኣብ ዝሓለፈት ዓመት 2820 ዝነበራ ኮይኑ ሎሚ እቲ ክሳራ ኣብ ክንዲ ምዉሳኽ ኣብ  ምጉዳል ይርከብ ኣሎ።