ተጻዋርነት ዘጥረዩ ናይ መዓናጡ ባክተሪያ ኣብ መንጎ ሕሙማት ይላብዑ

2:11 min

ኣብ ከተማታት ኤስኪልስቱና፡ዮንሾንፒግ ከምኡ ውን ቬስትሮስ ዝርከባ ወሃብቲ ማእከላት ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን፡ ዋሕዲ ክኢላታት ዓቕሚ ሰብን፡ መከላኸሊ መሳርሒታትን ከም ዘለወንን ከም ሳዕቤኑ ሕሙማት ዝተማልአ ኣገልግሎት ኣብ ዘይብሉ ማእከል ይእለዩ ከም ዘለው ዜና ራድዮ ሽወደን ይሕብር።

ኣብ ሆስፒታል ሜላር ኢስኪልስቱና ፡ሓንቲ ካብ ሓለፍቲ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ዝኾነት ካሪን ፍሪሰል ከም ዝሓበረቶ፡ ኣብቲ ክፍሊ ብሰንኪ ዘለው ብዝሒ ሕሙማት ካብቲ ልሙድ ኣመዳድባ ወጻኢ ኣለይቲ ንብዙሓት ሕሙማት ክከታተሉ ይግበር ምህላው የመልክት።