ኣርባዕተ ሓደስቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ሓፈሻዊ 5842 ሞይቶም

0:40 min

ብመሰረት ሎሚ 09 መስከረም 2020 ዝወጸ፡ ጸብጻብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ኣርባዕተ ሓደስቲ ሰባት ብለበዳ ኮሮና ህይወቶም ሓሊፋ። ሓፈሻዊ ድምር  5842 ሽወደናውያን ብኮቪድ-19 ሞይቶም።

ብተወሳኺ 173 ሓደስቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ክኾኑ ከለው፡ ጠቕላላ ኣስታት 85 880 ድማ ኣቐዲሙ መልከፍቲ ገጢምዎም ኔሩ።