ሽወደናውያን ናብ ፊንላንድ ብዘይ ምውሻብ ክገሹ ተፈቒዱ

2:06 min

መንግስቲ  ፊንላንድ ነቲ ናብታ ሃገር ዝገሹ ሰባት፡ ንክልተ ሰሙን ክውሸቡ ዝእዝዝ መምርሒ፡ ንሽወደን ወሲኻ ንቡዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ኣልዒላቶ። እዚ ማለት ካብ 100 000 ነባሮ፡ ትሕቲ 25 ዜጋታተን ጥራይ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ዘለወን ሃገራት፡ ብዘይ ናይ ክልተ ሰሙን ምውሻብ ናብታ ሃገር ክበጽሑ ፈቒዳ ኣላ። ኣቐዲሙ ካብዚ ሕጂ ትውከሰሉ ዘላ መምርሒ ዝተሓተ ማለት  ካብ 100 000 ነበርቲ 8 ሰባት ጥራይ ዝተለኸፉ  ዜጋታት ዘለወን ሃገራት ናብታ ሃገር ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ዝፈቅድ መምርሒ ኔርዋ።

እዚ ዝተቓለለ ፍቓድ ካብ ጽባሕ ቀዳም ጀሚሩ ክትግበር  ምዃኑ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ማርያ ኦሂሳሎ ብምጥቃስ ጋዜጣ ሄልሲንግ ሳኖማት ጽሒፉ።

ንግድን ቱሪዝምን ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ከም ዝምለስ ሚኒስተር መራኸቢታት ፊንላድ ቲሞ ሃራካ ሓቢሩ።ንጎረቤትና ሽወደናውያን እንቋዕ ደሓን መጻኩም ክንብሎም ከሎና ሓጎስ ይስምዓኒ፡ ክብል ነቲ ምኽፋት ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ገሊጹ።

ሰባት ካብን ናብን  ሽወደን ፊንላንድ ዘመላልስ ናይ ምዝንጋዕ መራኽብ ዝውንን ትካል ቪይኪንግ ውን ነቲ ምኽፋት ብሓጎስ ተቐቢልዎ ከምዘሎ ገሊጹ። ነዛ ዕለት ክትመጽእ ነዊሕ ተጸቢና ኢና። ከመይ ጌርና ነቲ ስራሕ ከም ንጅምሮ ክንሓስብ ኢና። ክትብል ወሃቢት ቃል  እቲ ትካል ኤሌኖራ ናንሲ ተዛሪባ። ካብ ስቶክሆልም ናብ ሄልሲንኪ ከምኡ ውን ካብ  ስቶክሆልም ናብ ቱርኩ መገሻታት ብዘይ ምንባሩ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ናይ ኩባንያ  መስመር መራኽብ ቫይኪንግ ካብ ስራሕ ወጻኢ ደስኪሎም ይርከቡ።

ፊንላንድ ነዚ ናይ ዶባታ ምኽፋት ስጉምቲ ክትወስድ ዝተገደደት፡ ብድሕሪ እቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣባላት  ሃገራት እቲ ሕብረት፡ ንሓድሕደን ዘለወን ቀይዲ ክፋኹሳ ምስ ጸውዐ እዩ። ሽወደን ውን ምስ ጎረባብታ ዝነበራ ኣተገባራ መምርሒታት ንምቅላል ኣብ ዘተ ኣትያ ምንባራ ተፈሊጡ።

ነዚ ናይ ፊንላንድ ተኸቲሉ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ውን  ተመሳሳሊ መምርሒ ንሽወደናውያን ኣውጺኡ  ኣሎ።