መግለጺ ምክትል ኣዛዚ ፖሊስ ሽወደን ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣቱ

3:12 min

ምክትል ኣዛዚ ፖሊስ ሽወደን ማትስ ሉቪንግስ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዝርከቡን ብቀቢላታት ዝተወደቡ ኣስታት 40 ዓበይቲ ስድራቤታት  ማፍያታት ኣለው። ብዝተጸንዐ መገዲ ሰብ ይቐትሉን ንብረት ይዘምቱን ከም ዘለው ንማዕከን ዜና ኤኮት ዝሓለፈ ቀዳም ገሊጹ ኔሩ። እዚ መገለጺኡ ብብዙሓት ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሓለፍቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ከም ዘሎ ማዕከን ዜና ኤኮት ኣብ ሸውዓት ኩርንዓት ሽወደን ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ  ዝገበሮ ዝርርብ የመልክት።