ሽቕለት-ኣልቦነት ይውስኽ፡ ይኹን'ምበር ዕዳጋ ስራሕ ጭልምልም ዝብል ተስፋ ይረኣዮ

2:34 min

ኣብ መጨረሻ ወርሒ ነሓሰ ቁጽሪ እቶም ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ዳርጋ ፍርቂ ሚለዮን ከም ዝቐረበ ጸብጻብ በዓል መዚ መራኸቢ ስራሕ ሓቢሩ። ምስ ናይ ዓሚ ወርሒ ነሓሰ ክነጻጸር እንከሎ፡ እቲ ቁጽሪ ብ126,000 ከም ዝወሰኸ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቁጽሪ እቶም ስራሕ የብልናን ኢሎም ኣብ’ቲ ትካል ተመዝጊቦም ዝነበሩ ሰባት 475,000 በጺሑ ኔሩ። እዚ፡ ሽቕለት-ኣልቦነት፡ ኣብ ሓደ ዓመት ዉሽጢ፡ ካብ 7.0% ናብ 9.1% ደይቡ ከም ዘሎ የርእየና።


ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ቁጽሪ’ቶም ስራሕ የብልናን ኢሎም፡ ኣብ በዓል መዚ መራኸቢ ስራሕ ዝተመዝገቡ መናእሰያት 72,000 ከም ዝነበረ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይሕብር። ሽቕለት-ኣልቦነት ኣብ መናእሰያት ናብ 13.3% ደይቡ’ሎ። እዚ፡ ምስ ናይ ዓሚ እዚ እዋን’ዚ ክወዳደር እንከሎ፡ ናይ 5.4% ፍልልይ ኣለዎ።

Robel T. Habte
robel.habte@sr.se