ዜና ኮሮና፡ ተገሊሎም ዝጸንሑ ኣረጋውያን ምስ ኣዝማዶም ክራኸቡ ተወሲኑ

0:59 min

ካብ ዝሓለፈት ዓርቢ ጀሚሩ ብሰንኪ ኮቪድ-19  ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ሎሚ ሰሉስ 15 መስከረም 2020 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና የመልክት።  ክሳብ ሕጂ  5851 ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።

እዚ ከምዚ ከሎ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ዕለት 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ ሰብ ናብ መዕቆቢ ኣባይቲ ኣረጋውያን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሌና ሃለንግሬን ገሊጻ።

በጻሕቲ ንመምርሒ እቲ ትካል ክኽተሉን  ንትእዛዝ ሰራሕተኛታት ከኽብሩን ጸዊዓ። ዝሓመመ ሰብ ናብቶም ሰብ ዕድመ ጸጋ ከይበጽሕ ልዑል ጥንቓቐ ከም ዘድሊ ሓቢራ።

መንግስቲ ኣብ መጋቢት 30 ዝወሰኖ ካብ 1 ሚያዝያ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ብደረጃ ሃገር ሰባት ናብቶም ኣብ መዕቆብ ኣረጋውያን ዝርከቡ መቕርቦም ከይበጽሑ ምእጋዱ ይዝከር። ሕጂ ግና ክበጽሑ ተፈቒዱ ይርከብ።