ሃንደልስ ባንክ ኣብ መወዳእታ 2021 ኣማኢት ኣብያተ ጽሕፈታት ክዓጽው'ዩ

1:05 min

ብመሰረት ካብ’ቲ ባንኪ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሃንደልስ ባንክ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት፡ 180 ኣብያተ ጽሕፈታቱ ክዓጹ ሙዃኑ ሓቢሩ፡፡ ንመተካእታ ናይ’ዚ፡ ሓደ ቢልዮን ክሮነር ብምስላዕ ኣብ ‘ኢንፎርመሽን ቴክኖሎጂ’ ወፍሪ ጌሩ’ሎ፡፡

ብሓበሬታ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምስ’ዚ ምዕጻው ኣብያተ ጽሕፈታት፡ ምቕናስ 1000 ሰራሕተኛታት ‘ዉን ክስዕብ’ዩ፡፡

መስርሕ  ምቕያር ኮምፒተራዊ ኣሰራርሓ፡ ነቲ ባንኪ፡ ኣብ ኣብያት ጽሕፈታቱን ብ‘ዲጂታል’ ምርኻብን፡ ናብ ሓድሽ ምዕባለ ክኸይድ ከምዝገብሮ እቲ ባንኪ ሓቢሩ’ሎ፡፡

እዚ ለዉጢ’ዚ፡ ንወጻኢታት እቲ ባንኪ፡ ኣብ 2022፡ ብ20 ቢልዮን ክቕንስ ትጽቢት ይግበር፡፡ እዚ ብሸነኹ፡ እቶት እቲ ባንኪ ብከባቢ ሓደ ቢልዮን ክሮነር ከምዝንኪ ክገብር’ዩ፡፡

እዚ ምትዕርራይ፡ ነቲ ባንኪ 1.5 ቢልዮን ክሮነር ክውድኣሉ ከምዝኽእል ይእመት፡፡

ሃንደልስ ባንክ ብተወሳኺ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብጽሒት ወነንቲ ብርኪ ከይኸፍል ከምዝወሰን’ዉን ኣፍሊጡ’ሎ፡፡