ባይቶ ሽወደን ክትዕ ብዛዕባ ዝተወደቡ ገበነኛታት ኣካይዱ

3:08 min

መንግስቲ ነቶም ብቤተሰብ ደረጃ ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ገበን፡ ንምቑጽጻር ዘኽእል እኹል ስራሕ ኣይገበረን። ክብሉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ባይቶ ሽወደን ሎሚ ተኸራኺሮም።

መንግስቲ ብልሳኑ ኣንጻር እዞም ገበነኛታት ተሪር ስጉምቲ ከም ዝወስድ ይዛረብ። ብግብሪ ግና ድኹም እዩ። እዚ ከም ጸሓይ በሪቑ ዝርአ ሓቂ እዩ። ይብል ንሰልፊ ሞደራተርና ወኪሉ ኣብ ክርክር ዝቐረበ ኣፈኛ ሕጋዊ ጉዳያት ዮሃን ፎርሴል። ነዚ ከም መርትዖ ናይ ደንማርክ ኣሰራርሓ ከም ኣብነት ሞዴል ጌሩ የቕርብ ምንባሩ ማዕከን ዜና ቴቴ ሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን ዝርአ ዕለታዊ ተኹስን ፍንጀራን  ብብዝሒ ብዝለዓለ ክውስኽ ይርአ ኣሎ። ምስ ጎረባብትና ሃገራት ክነጻጸር ከሎ ዘሎና ፍልልያት ብሩህ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሽወደን ዘላቶ ኩነታት ምስ ካልኦት ከተረኣእዮ የሸግር። ብተወሳኺ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዝገብሮ መፍትሒ ዕዉት ኣይኮነን። ይብል ዮሃን ፎርሴል ካብ ሞደራተርና።

ኮይኑ ግና ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ወኪሉ ግብረ መልሲ ዝሃበ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሚካኤል ዳምበርይ ካብ ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራትስ ብወገኑ፡ ነቲ መንግስቲ ብዙሕ ኣይሰርሐን ዘሎ ዝብል ኣረኣእያ ተቓወምቲ ሰልፍታት ምሉእ ብምሉእ ኣይተቐበሎን። መንግስቲ ክሳብ 2024  ቁጽሪ ብዝሒ ፖሊስ ናብ 100 ሽሕ   ክብ ከብሎ መደብ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ንሕና ዝዓበየ በዓል 34 ነጥብታት መምርሒ ንምቑጽጻር ዝተወደቡ ገበንኛታት ኣውጺእና ኢና። ኮይኑ ግና ብእኡ  ዕጉባት ኣይኮናን። ኣብ ምክልኻልን ዉሁድ ስጉምቲታት ኣብ ምውሳድን ብዙሕ ኣገዳሲ ስራሕ  ይጽበየና። ይብል ሚካኤል ዳምበርይ።