ንጉስ ሽወደን ናብ ኤርትራ ተዝበጽሕ እቲ ጉዳይ ምተቐየረ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ

7:48 min

ሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ደራስን ጋዜጠኛን ዳዊት ይስሓቕ ኣብ ቤት መኣሰርቲ ካብ ዝኣቱ ጽባሕ ረቡዕ 19 ዓመቱ ክመልእ እዩ። ዳዊት ምስ ብዙሓት ዓሰርተታት ናይ ግሊ ጋዜጣታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብሓባር ኣብ 2001 ምኽንያቱ ብንጹር ክሳብ ሎሚ ብዘይተፈልጠ ጉዳይ ብዘይክሲ ኣብ ሚስጢራዊ ቤት መኣሰርቲ ተኣሲሮም ይሳቐዩ ኣለው። ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ምስ ሰለሰተ ደቃ ትንበር ዘላ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሶፍያ ብርሃነ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመታት ብሰንኪ ናቱ መኣሰርቲ ንሳን ደቃን ደሃይ ናቱ ኣብ ልዕሊ ምስኣኖም ብተወሳኺ ካብ ሕብረተሰብ ተነጽሎ ስለ ዘጋጠሞም ኣደዳ ስነ ኣእምሮኣዊ ስቅያትን ጭንቀትን ከም ዝኾኑ ሓቢራ።

 ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን  ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ጉዳይ ዳዊት ይስሓቕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዘተ ኣብ ጉዳዩ ዝተፈለየ ኣተሓሕዛ ከም ዘይክተሉ ብድብድቡ ዝሰደድዎ ናይ ኢመይል መልሲ የመልክት።

ነዚ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዝምድናታት መልሲ ካብ ዝሃቡ ሓደ መበቆል ኩርዲ ዘለዎ ሽወደናዊ ተጠባቒ ሰባኣዊ መሰላትን ደራስን ኩርዶ ባክሲ እዩ።

ንጉዳይ ኤርትራ ብቐረባ ካብ ዝከታተሉ ሰባት ድማ ሓደ እዩ። ንሱ ንሚኒስትሪ ወጻኢታት ዝምድናታት ሽወደን ብከቢድ ይነቕፎ።

ንጉዳይ ዳዊት ኣብ ክንዲ ብለዓለዋይ ደረጃ ዝሕዝዎ ብታሕተዋይ ደረጃ ስለ ዝሕዝዎ ክሰልጥ ኣይከኣለን ይብል። ኣገዳሲ ተኾይኑ ንጉስ ሽወደን ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ መራሒ ኤርትራ ተዘራሪቡ ከፍትሖ ጻዕርታት ክግበር ይግብኦ ይብል።