ለበዳ ኮሮና ናብ ኣሰካፊ ኩነታት ከይምለሰ የስግእ

2:03 min

ሓላፊ ሃገራዊ  ስነ ለበዳ ኣንደሽ ተግኔል፡ ለበዳ ኮሮና ብቕልጡፍ ክላባዕ ዘኽእሎ ኣሰክፈቲ ተርእዮታት ይቀላቐሉ ምህላዎም ሓቢሩ።

ሰባት ኣብ ክንዲ ካብ ቤቶም ዝሰርሑ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ክምለሱ ምጅማሮም ካልእ ካብ ጠንቅታት ምውሳኽ ለበዳ ምዃኑ ይገልጽ።

ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ዝገብርዎ ሙዚቃዊ ሳዕስዒትት፡ ከምኡ ውን ውድድራት ስፖርት፡ ገለ ካብቶም ዓበይቲ ተወሰኽቲ ጠንቅታት ንምስዕራር ነቲ ለበዳ ኮይኖም ብኣንደሽ ተግኔል ተጠቒሶም ኣለዉ።